storiet v.2
sign in
Cover of ገድሊ ደቀንስትዬ

a novel ·

ገድሊ ደቀንስትዬ

by

>ሓደ ካብ ፍሉይነት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደቀንስትዮ ብብዝሒ ዘሳተፈ ምንባሩ እዩ። ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ተሳትፎ ደቀንስትዮ፡ ብትሕዝቶ ነቲ ቃልሲ ምሉእ ዝገበረ፡ ብቕያታት ዝተመልአ ተመኵሮ እዩ። ገድሊ ደቀንስትዮንገለ ካብቲ ደቀንስትዮ ዘሕለፍኦ ናይ ቃልሲ ህይወት ዘንጸባርቑ 38 ዛንታታት ሒዙ …

start reading + shelf
  • ● 74% match for you
  • ● biography & memoir, history

the long version

>ሓደ ካብ ፍሉይነት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደቀንስትዮ ብብዝሒ ዘሳተፈ ምንባሩ እዩ። ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ተሳትፎ ደቀንስትዮ፡ ብትሕዝቶ ነቲ ቃልሲ ምሉእ ዝገበረ፡ ብቕያታት ዝተመልአ ተመኵሮ እዩ። ገድሊ ደቀንስትዮንገለ ካብቲ ደቀንስትዮ ዘሕለፍኦ ናይ ቃልሲ ህይወት ዘንጸባርቑ 38 ዛንታታት ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ዛንታታት’ዚ፡ ኣብቲ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣእቲኻ ክርአ እንከሎ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ኣይከሓድን። > >ኣብ መእተዊ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ብኸመይ ንሓያል ቀይዲ መስፍንነትን ኣባታዊ ስርዓትን ፈንጢሰን ሱታፌአን ኣብ ቃልሲ ከረጋግጻ ከም ዝኸኣላ ዘብርህ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብቶም ዝስዕቡ ዛንታታት ከኣ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ቅድመ-ግንባር ይዅን ኣብ ካልእ መዳያት ናይቲ ቃልሲ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋተን ተሰሊፈን ዝፈጸመኦ ቅያታትን ዝኸፈልኦ ዋጋን ዘርኢ ዛንታታት ቀሪቡ ኣሎ። ክልተ ኣሕዋት ኣደን ጓልን፡ ሃና ኣርኣያ ምስ ኣርኣያ፡ ፍቕርን መስዋእትን፡ ቀታሊት ቅትለት፡ ጃፓን ወዶ-ገባ፡ ድፋዕ ማይሽሮ፡ ደሃይ ኣቦኣ ረኺባዶ? እታ መህጸን፡ ኣደይ ዘይነብ ያሲን፡ ድኳን ኤልሳ ዝብላ ዛንታታት ከኣ ገለ ካብ’ተን ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊረን ዘለዋ ዛንታታት እየን። > >ተመኵሮ ደቀንስትዮና ንኸብሕታት ኣብያተ-መጽሓፍትና፡ ፊልምታትና፡ ድራማታትና፡ ኮታ ንዅሉ ጥበባዊ ስራሓትና ኣኺሉ ዝተርፍ ረዚን ትሕዝቶ ኣለዎ። እዚ ተበጊሱ ዘሎ ስራሕ እምበኣር፡ ግዜን ዕድልን እንከሎ፡ ተመኵሮ ንምስናድ ምቅልጣፍ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር እዩ። መጽሓፍ ገድሊ ደቀንስትዮከኣ፡ ንኻልእ ሰፊሕ ስራሕ ከፋቲት በሪ ክትከውን ንትስፎ። - [publisher](https://hdrimedia.com/product/gedli-deqenstyo/)

M

Margaret's verdict

">ሓደ ካብ ፍሉይነት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደቀንስትዮ ብብዝሒ ዘሳተፈ ምንባሩ እዩ። ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ተሳትፎ ደቀንስትዮ፡ ብትሕዝቶ ነቲ ቃልሲ ምሉእ ዝገበረ፡ ብቕያታት ዝተመልአ ተመኵሮ እዩ። ገድሊ ደቀንስትዮንገለ …"

— Margaret

highlights

what readers held onto

No highlights yet. Be the first.

discussion

what readers said

No reviews yet. Finish it; tell us what you found.